Adey Ye Zfetu
@dehreqeniblock
255
friends
ንነዊሕ እዋን ዝኽሰብካዮ ሰብ: ብግዝያዊ ሰብ ኣይትኽሰሮ:: በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን . #ኣገራሚ_ታሪኽ ሓደ 60 ሰብ ዝቐተለ ሽፍታ ፡ ናብ ሓደ ኣቦ መጽዩ፡ ንስሐ ሃቡኒ 60 ሰብ ቀቲለ እየ ኢልዎም። ንሶም ድማ ንስኻ ዳኣ ሰይጣን ኢኻ ካባይ ርሓቕ ምስ በልዎ ፡ ንዕኦም ውን ቀተሎም ። ካልእ ቀሺ ረኸበ "ኣቦይ ቀሺ ንስሐ ሃቡኒ 60 ሰብ ቀቲለ ፡ ከምኡ ውን ቀቲለ ኔረ ኢለ ንሓደ ቀሺ ነጊረዮ ንሱ ካኣ ካባይ ርሓቕ ሰይጣን ኢሎምኒ፡ ንዕኦም ውን ቀቲለዮም ። በሎ " እቲ ካህን ኣንታ አረሜን ? ? ንዓይ ውን ክትቀትለኒ ዲኻ ደሊኻ ? ምስ በልዎ ፡ ንዕኦም ውን ቀተሎም። ብዝኾነ ፡ ነዞም ክልተ ካህናት ውን ቀቲሉ ፡ ናብቲ ዝለሞዶ ሽፍትነት ሂወት እንዳኸደ ከሎ፡ ሓደ ሽማግለ ፈላሲ ማይ ክቐድሑ ረኸበ ሞ ፡ ኣንቱም ሽማግለ ሰብኣይ ደው በሉ በሎም ። "አቤት ዝወደይ "60 ሰባት ቀቲለ ንስሐ ኣእትውኒ ኢለ እንተሓተትኩ ፡ ኣይንፈቅድን ምስ በሉኒ 4ተ ካህናት ቀቲለ ኣለኹ። ንስኹም ካኣ ንስሐ ዘይትህቡኒ እንተኾይንኩም ክቐትለኩም ምዃነይ ይነግረኩም ኣለኹ በሎም ። እቶም ኣቦ ካኣ ስቕ ኢሎም በኸዩሉ "ብሓቂ #ንእግዚአብሔር በዲልካዮ ኣቖጢዕካዮ ኢኻ ፡ ግን መሓሪ አምላኽ እዩ ። "በልዎ፡ ካብኡ ናብ ሓደ ጉድጓድ ወሰድዎ ሞ " ንዓኻ ክጽልየልካ ምእንቲ ፡ ናይ ጸሎት መጽሓፈይ 📖 ኣብዚ ጉድጓድ ወዲቓ ኣትያ ኣላ ሞ ኣውጽኣለይ በልዎ" ፡ ሓራይ በሎም። ብገመድ ኣንጠልጢሎም ናብቲ ውሽጢ ጉድጓድ ኣእተውዎ ፡ ምእታው ምስ ኣረጋገጹ እቲ ገመድ ቆረጽዎ ። "ኣንታ ኣረጊት ክቐትለካ እየ " እንዳበለ ክፍክር ጀመረ ንሶም ካኣ ገዲፎሞ ከዱ ። ድሕሪ 9 ሰዓት ቅጫን ማይን ሒዞም ተመለስዎ "ወደይ ከመይ ኣሎኻ በልዎ" ክቐትለካ እየ ኣታ ኣረጊት ይውጻእ ጥራይ ካብዚ እንዳበለ ደጊሙ ምፍካሩ ቀጸለ "። እቶም ኣቦ ግን ሰሚዖም ምግቢ ሂቦሞ ከዱ ። ድሕሪ 12 ሰዓት ተመሊሶም መጽዎ" ወደይ ከመይ ኣሎኻ በልዎ " ብድኽም፡ዝበለ ትሑት ድምጺ "ክቐትለካየ ኣይገድፈካን በሎም " ምግቢ ሂቦሞ ከዱ ። 1 መዓልቲ ጸኒሖም ከይዶሞ " ወደይ ከመይ ኣለኻ በልዎ " "ክ..ቐ..ትለካ..እየ " በሎም ብኣዝዩ ተዳኸመ ድምጺ ፡ ምግቢ ደርብዮምሉ ናብቲ ጉድጋድ ተመሊሶም ከዱ ። እንደገና ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ተመሊሶም ምግቢ ሒዞምሉ ከዱ " ወደይ ከመይ ውዒልካ በልዎ" "እግዚአብሔር ይመስገን " በሎም ፡ ትዕቢቱ ብጾም ተሸፈነ ፡ ነፍሱ ንስጋኡ ስዒራታ ፡ ንሶም ካኣ ብገመድ ኣውጺኦም ንስሓ ሃብዎ፡ ናይ ኣምላኽ ባርያ ኮይኑ ምስኦም ንዓለም መነነ ። ንኹላትና ፈሪሃ እግዚአብሔር ትዕግስቲ ምስትውዓልን ይሃበና ፡ ካብ ክፋእ ትዕቢት ይሰውረና አሜን። እቲ ዝዓበየ ድማ ንንስሓ የብቅዓና ማለት እዩ አሜን የብቅዓና !! ስብሃት ለእግዚኣቢሄር ክብሪ ንምስጋናን ንክርስቶስ ኣምላኽና ኣሜን።